34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 1

ኢየሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካልኦት ብዙሓት ምስላታት መሃረ። ንኣብነት: ከምዚ በለ: “መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ዘርኢ ኣድሪ እያ ትመስል። ንሳ ካብ ኩለን ዘርእታት ዝነኣሰት እያ።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 2

“ስለዚ እታ ዘርኢ ኣድሪ ምስ ዓበየት ካብ ኩሎም ተኽልታት ዝበለጸት ኮነት፡ ኣዕዋፍ መጺአን ክሳዕ ዝዓርፋላ።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 3

ኢየሱስ መሊሱ ካሊእ ምስላ ተዛረበ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ሰበይቲ ወሲዳ ኩሉ ክሳዕ ዝበኵዕ ምስ ሕሩጭ ዝሓወሰቶ መባዅዕቲ እያ ትመስል”።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 4

“ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኣብ ማእኸል ግራት ዝሓብኣ ሃብቲ እያ ትመስል። ካሊእ ሰብ ነቲ ሃብቲ ረኺቡ መሊሱ ቀበሮ። ኣዝዩ ተሓጒሱ ከይዱ ዘለዎ ኩሉ ሸይጡ በቲ ገንዘብ ነቲ ሕርሻ ዓደጎ”።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 5

“ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዋግኣ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ዕንቍ እያ ትመስል። ሓደ ነጋዳይ ዕንቊ ነታ ዕንቊ ምስ ረኸባ ዘለዎ ኩሉ ሸይጡ ዓደጋ”።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 6

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ብዛዕባ ሓደሓደ ብሰናይ ግብሮም ዝእመኑን ንኻልኦት ዝንዕቑን ምስላ ገለገለ ሰባት ተዛረበ። “ክልተ ሰባት ክጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ከዱ። እቲ ሓደ ኣካብ ቀረጽ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ መራሒ ሃይማኖት ነበረ” በለ።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 7

“እቲ መራሒ ሃይማኖት ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ካልኦት ሰባት፡ ከታሪን ዓመጸኛን ኣመንዝራን፡ ከምዚ ኣካብ ቀረጽ'ውን ስለዘይኰንኩ የመስግነካ”።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 8

“እዚ ድማ፡ በብሰሙን እጸውም፣ ካብ ዝረኽቦ ገንዘብን ጥሪትን ኩሉ'ውን ዕሽር እኸፍል”።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 9

“እቲ ኣካቢ ቀረጽ ግና ካብቲ መራሒ ሃይማኖት ርሕቕ ኢሉ ደው በለ፡ ናብ ሰማይ እኳ ኣይረኣየን። ኣብ ክንድ’ዚ፡ ኣፍልቡ እናወቕዐ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ሓጥያተኛ ስለዝዀንኩ በጃኻ መሓረኒ” ይብል ነበረ።

34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ — illustration 10

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እግዚኣብሄር ናይቲ ኣካቢ ቀረጽ ጸሎት ሰሚዑ “ጻድቕ ኢኻ” በሎ። ንጸሎት እቲ መራሒ ሃይማኖት ግና ኣይፈተወሉን። እግዚኣብሄር፡ ርእሱ ክብ ንዘብል ኵሉ የዋርዶ፡ ርእሱ ንዘዋርድ ግና ልዕል የብሎ” በለ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 13፡31-33፣ 44-46፤ ማርቆስ 4፡30-32፤ ሉቃስ 13፡18-21፤ 18፡9-14።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).