35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 1

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ንኣከብቲ ቀረጽን ክሰምዕዎ ናብኡ ንዝተኣከቡ ካልኦት ብዙሓት ሓጥኣተኛ ሰባትን ይምህሮም ነበረ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 2

ከምኡ'ውን ኣብኡ ዝነበሩ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኢየሱስ ንሓጥኣተኛታት ክቕበሎም ረኣዩ፡ ንሕድሕዶም ክነቕፍዎ ጀመሩ። ስለዚ ኢየሱስ ነዚ ምስላ ክነግሮም ጀመረ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 3

ክልተ ደቂ ዘለውዎ ሓደ ሰብ ነበረ። እቲ ንእሽተይ ወዱ ነቡኡ፡ “ኣቦይ ካብ ጥሪትካ ዝብጽሐኒ ግደ ሕጂ ሃበኒ” በሎ። ስለዚ ኣቡኡ ነቲ ዘለዎ ጥሪት ነቶም ክልተ ደቁ መቐሎም።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 4

“ሽዑ እቲ ንእሽተይ ወዱ ነቲ ዘለዎ ኩሉ ሒዙ ናብ ርሑቕ ዓዲ ከይዱ ብምንባር፡ ሓጥኣት እናገበረ ነቲ ገንዘቡ ኩሉ ዘረዎ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 5

“ብድሕሪኡ ኣብቲ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝነበረሉ ዓዲ ከቢድ ጥሜት ኰነ፡ ዝብላዕ ዝዕድገሉ ገለ ገንዘብ ድማ ኣይነበሮን። ስለዚ ኸኣ ምጕሳይ ሓሰማታት ክሰርሕ ጀመረ። ኣዝዩ ተጐሳቝሉን ጠምዩን ስለዝነበረ፡ ነቲ እተን ሓሰማ ይበልዕኦ ዝነበራ ክበልዕ ይምነ ነበረ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 6

“ኣብ መወዳእታ እቲ ንእሽተይ ወዱ ንርእሱ ከምዚ በለ፡ “እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ፧ ኩሎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ዝበልዕዎ ብዙሕ ምግቢ ኣለዎም፡ ኣነ ግና ብጥሜት እመውት ኣለኹ። ሕጂ ናብ ኣቦይ ተመሊሰ ካብቶም ኣገልገልቱ ከም ሓዲኡ ክገብረኒ ክልምኖ እየ”።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 7

“ስለዚ እቲ ንእሽተይ ወዱ ናብ ኣቡኡ ክምለስ ጀመረ። ገና ኣብ ርሑቕ ከሎ ኣቡኡ ርእይዎ ሓዘነሉ። ናብኡ ጐይዩ ድማ ሓቝፉ ሰዓሞ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 8

እቲ ወዱ ከኣ ከምዚ በለ፡ “ኣቦይ ንኣምላኽን ንዓኻን በዲለ እየ፡ ወድኻ ክበሃል'ውን ኣይበቅዕን”።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 9

ኣቡኡ ግና ካብቶም ኣገልገልቱ ነቲ ሓደ ጸዊዑ፡ “ቀልጢፍካ ኬድካ ብሉጽ ክዳን ኣምጺኻ ንወደይ ክደኖ፡ ነጻብዕቱ ቀለቤት፡ ንእግሩ’ውን ጫማ ግበረሉ። ብድሕሪኡ በሊዕና ምእንቲ ክንሕጐስ ስቡሕ ኣምጺኹም ሕረዱ። ምኽንያቱ እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩስ ህያው ኰይኑ፡ ጠፊኡ ነይሩ ሕጂ ግና ተረኺቡ እዩ በለ፡፡

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 10

ስለዚ እቶም ሰባት ክሕጐሱ ጀመሩ። ከይደነጐየ፡ ዓብዪ ሓዉ ካብቲ ይሰርሐሉ ዝነበረ ሕርሻ ናብ ገዝኡ መጸ። ናይ ሙዚቃን ደርፍን ድምጺ ድማ ሰምዐ፡ እንታይ ኰን ይኸውን ኢሉ ከኣ ተገረመ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 11

“እቲ ዓብዪ ወዱ፡ ሓዉ ስለዝመጸ ይሕጐሱ ከምዘለዉ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ንገዝኡ ክኣቱ ድማ ኣይፈተወን። ኣቡኡ ወጺኡ፡ ኣትዩ ምስኣቶም ክሕጐስ ለመኖ፡ ንሱ ግና እምቢ በለ።

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 12

“እቲ ዓብዪ ወዱ ነቡኡ ከምዚ በሎ፡ “ኣብዘን ኩለን ዓመታት እሙን ኰይነ ሰሪሐልካ እየ፡ ትእዛዝካ’ውን ኣይጠሓስኩን፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ኣዕሩኽተይ ክሕጐስ ኢልካ ሓደ ማሕስእ እኳ ሂብካኒ ኣይትፈልጥን።

ነዚ ሓጥኣት ብምስራሕ ገንዘብካ ዘጠፋፍአ ወድኻ ናብ ገዝኡ ምስ መጸ ግና ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ፡፡

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ — illustration 13

ኣቡኡ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ወደይ ንስኻ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኢኻ፡ ዘለኒ ኩሉ'ውን ናትካ እዩ። ክንሕጐስን ባህ ክብለናን ይግብኣና እዩ፡ ምኽንያቱ ሓውካ ሞይቱ ነይሩስ ህያው ኰይኑ፡ ጠፊኡ ነይሩስ፡ ሕጂ ተረኺቡ በለ፡፡

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሉቃስ 15፡11-32።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).