33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 1

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ብዙሕ ሰብ ይምህር ነበረ። እቶም ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝነበሩ ኢየሱስ ዝምህረሉ እኹል ቦታ ስለዘይረኸበ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ይምህሮም ነበረ።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 2

ኢየሱስ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ታሪኽ ነገሮም፡ “ሓደ ሓረስታይ ዘርኢ ክዘርእ ወጸ። ዘርኢ እናዘርአ ከሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺአን ከኣ በልዓኦ።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 3

“ገሊኡ ዘርኢ ድማ መሬት ኣብዘይብሉ ኣብ ጭንጫ ወደቐ፡ በቝሉ ግና ሱር ክሰድድ ኣይከኣለን። ጸሓይ ወጺኣ ምስ በረቐት፡ እቲ በቚሊ ጸምልዩ ነቐጸ።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 4

“ገሊኡ ዘርኢ ከኣ ኣብ ማእኸል ኣእሻዅ ወዲቑ ምብቋል ጀመረ፡ እንተኾነ እቲ እሸዅ ሓነቖ’ሞ ፍረ ከፍሪ ኣይከኣለን።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 5

“ገሊኡ ዘርኢ ድማ ኣብ ልሙዕ መሬት ወደቐ። በቝሉ ከኣ ገሊኡ 30፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ’ውን 100 ፍረ ሃበ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”፡፡

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 6

እቶም ደቀመዛሙርቲ ግና ነዚ ኣይተረድእዎን። ስለዚ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጸሎም፡ “እቲ ዘርኢ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ወሰን መገዲ፡ እቶም ነቲ ቃል ዝሰምዑ እዮም። ዲያብሎስ ነቲ ዘርኢ ስለዝምንጥሎ ግና ኣየስተውዕልዎን።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 7

“እቲ ኣብ ጭንጫ ዝተዘርአ ዘርኢ፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ሰሚዑ ብታሕጓስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ። መከራ ወይ ስደት ከጋጥሞ ከሎ ግና እምነቱ ዝሓድግ እዩ።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 8

“እቲ እሸዅ ዝመልኦ መሬት፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕ’ሞ ደሓር ናይዛ ዓለም ሓሳብን ሃብትን ሓጐስን ነቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ይሓንቆ፡ ካብዚ ዝተላዕለ ድማ እቲ ዝሰምዖ ቃል ፍረ ኣየፍርን።

33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ — illustration 9

“እቲ ልሙዕ መሬት ግና፡ እቲ ቃል ኣምላኽ ሰሚዑ ዝኣምንን ፍረ ዘፍርን ሰብ እዩ።››

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 13፡1-8፣ 18-23፤ ማርቆስ 4፡1-8፣ 13-20፤ ሉቃስ 8፡4-15።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).