28. ሃብታም መንእሰይ

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 1

ሓደ መዓልቲ ሓደ ሃብታም መንእሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ “ኣታ ሄር መምህር፡ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር፧ ኢሉ ሓተቶ።

ኢየሱስ ድማ፣ “ስለምንታይ “ሄር” ትብለኒ፧ ሄር ሓደ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እንተደሊኻ ንሕጊ እግዚኣብሄር ተኣዘዝ በሎ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 2

“ኣየኖት ትእዛዛት”፧ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትሓስው፡ ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር፡ ንብጻይካ’ውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር”።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 3

እቲ መንእሰይ ከኣ፡ “ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ነዞም ሕግታት ኩሎም ፈጺመ አየ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ ካልእ እንታይ ክገብር”፧ በለ። ኢየሱስ ረኣዮ’ሞ ፈተዎ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 4

ኢየሱስ ከኣ፡ “ፍጹም ክትከውን አንተደሊኻ ዘለካ ኩሉ ሸይጥካ ነቲ ገንዘብ ንድኻታት ሃቦም፡ ኣብ ሰማይ ደማ ዓስቢ ክትረክብ ኢኻ። ሽዑ ንዓ’ሞ ሰዓበኒ”። ኢሉ መለሰሉ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 5

እቲ መንእሰይ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዐ፡ ብጣዕሚ ሃብታም ስለ ዝነበረ ነቲ ዘለዎ ክህብ ስለዘይደለየ ኣዝዩ ሓዘነ። ገጹ ኣዚሩ ድማ ኸደ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 6

ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ “ሃብታማት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ፡፡ እወ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱ ጊመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል”፡፡

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 7

ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዑ ሰንበዱ’ሞ፡ “እሞ ደኣ መን ክድሕን ይኽእል” በሉ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 8

ኢየሱስ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ርእዩ፡ “እዚ ብሰብ ዝከኣል ኣይኰነን፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በለ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 9

ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ንሕና ኵሉ ገዲፍና ተኸተልናካ፡ ዓስብናኸ እንታይ እዩ” በሎ።

28. ሃብታም መንእሰይ — illustration 10

ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ስለይ ቤትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቦን ኣዲኡን ወይ ድማ ጥሪት ዝሓደገ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ይቕበል፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ውን ይወርስ። ስለዚ ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፡ ብዙሓት’ውን ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም”፡፡

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 19፡16-30፤ ማርቆስ 10፡17-31፤ ሉቃስ 18፡18-30።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).