29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 1

ሓደ መዓልቲ ጴጥርስ ንኢየሱስ፡ “ዎ መምህር፡ ሓወይ እንተበደለኒ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብሎ፧ ሸውዓተ ሳዕ ድዩ” ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ፣ “ሸውዓተ ሰብዓ ሻዕ እምበር፡ ሸውዓተ ሻዕ ኣይኰነን” በሎ። ኢየሱስ ነዚ ምባሉ ኩልሳዕ ይቕረ ክንብል ኣለና ማለቱ እዩ። ሽዑ ኢየሱሰ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ታሪኽ ተዛረበ።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 2

ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ክቈጻጸር ዝደለየ ንጉስ እያ እትመስል። ካብቶም ኣገልገልቱ እቲ ሓደ 10,000 መኽሊት ዝኸውን ዕዳ ነበሮ”።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 3

“እቲ ኣገልጋሊ ዕድኡ ክኸፍል ስለዘይከኣለ፡ እቲ ንጉስ፡ “እዚ ኣገልጋሊ ዕድኡ ምእንቲ ክኸፍል ንዕኡን ንቤተሰቡን ሽጥዎም” በሎ።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 4

“እቲ ኣገልግሊ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተደፊኡ፡ “በጃኻ ተዓገሰኒ፡ ዘለኒ ዕዳ ኩሉ ክኸፍለካ እየ” በሎ። እቲ ንጉስ ነቲ ኣገልጋሊ ሓዚኑሉ ዕድኡ ኩሉ ሓዲገሉ ፈትሖ ድማ”

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 5

“እንተኾነ እቲ ኣገልጋሊ፡ ካብቲ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ። እቲ ምሕረት ዝተገብረሉ ኣገልጋሊ፡ ነቲ ዕዳ ዘለዎ ብጻዩ ሒዙ “ዘለካ ዕዳ ክፈለኒ” በሎ።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 6

“እቲ ብጻዩ ዝዀነ ኣገልጋሊ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ “በጃኻ ተዓገሰኒ፡ ዘለኒ ዕዳ ኩሉ ክኸፍለካ እየ” በሎ። እቲ ኣገልጋሊ ግና ነቲ ዕዳ ዘለዎ ብጻዩ ክሳዕ ዕድኡ ዝኸፍሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ”።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 7

“ካልኦት ኣገልገልቲ ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ርእዮም ሓረቑ። ናብቲ ንጉስ ከይዶም ድማ ነቲ ዝዀነ ነገር ነገርዎ”።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 8

“እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣገለጋሊ ኣጸዊዑ፣ ‹ኣታ ጨካን ባርያ ዕዳኻ ክገድፈልካ ስለዝለመንካኒ ገደፍኩልካ። ንስኻ’ውን ከምኡ ክትገብር ይግብአካ ነይሩ”። በሎ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጢዑ ዕድኡ ኩሉ ክሳዕ ዝኸፍል ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ — illustration 9

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ “ንስኻትኩም’ውን ንሕድሕድኩም ነሕዋትኩም ይቕረ እንተዘይልኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ’ውን ይቕረ ኣይብለኩምን እዩ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 18፡21-35።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).