27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 1

ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣይሁዳዊ ፈላጥ ሕጊ ንኢየሱስ ክፍትኖ መጸ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር” በሎ። ኢየሱስ ድማ፡ “ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እንታይ ተጻሒፉ ይርከብ” በሎ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 2

እቲ ፈላጥ ሕጊ ድማ፣ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍጹም ልብኻ፡ ብፍጹም ነፍስኻ፡ ብፍጹም ሓይልኻን ብፍጹም ሓሳብካን ኣፍቅሮ። ንብጻይካ’ውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅ” ይብል ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ጽቡቕ መለስካ ከምኡ ግበር ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 3

እቲ ፈላጥ ሕጊ ግና ጻድቕ ከምዝዀነ ከፍልጥ ደልዩ፣ “ብፃየይከ መን እዩ” ኢሉ ሓተቶ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 4

ኢየሱስ ሓደ ታሪኽ ብምንጋር ነቲ ፈላጥ ሕጊ መለሰሉ፡ “ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ይኸይድ ዝነበረ ሓደ ኣይሁዳዊ ነበረ”።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 5

እቲ ሰብኣይ እናኸደ እንተሎ ከተርቲ ሓዝዎ። ነቲ ዝሓዞ ኩሉ ኣሕዲጎም ዳርጋ ምዉት ገይሮም ቀጥቂጦም ደርብዮምዎ ከዱ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 6

“ሓደ ኣይሁዳዊ ካህን ብእኡ ይሓልፍ ነበረ። እዚ መራሒ ሃይማኖት ነቲ ዝተዘረፈን ዝተወቕዐን ሰብኣይ ምስ ረአዮ ልግስ ኢሉ ከደ“ ነቲ ሓገዝ ዝደሊ ዝነበረ ሰብ ሸለል ኢሉ መንገዱ ቀጸለ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 7

“ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ሌዋዊ ብእኡ ሓለፈ። (ሌዋውያን ኣብ ቤተመቕደስ ንኣይሁዳውያን ዝሕግዙ ዓሌት እስራኤላውያን ነበሩ።) እቲ ሌዋዊ’ውን ከምቲ ካህን ልግስ ኢሉ ነቲ ዝተገርፈን ዝተወቕዐን ሰብ ሸለል ኢልዎ ከደ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 8

“በቲ መንገዲ ዝሓለፈ ካልእ ሰብ ድማ ሳምራዊ ነበረ”። (ሳምራውያን ካብ ካልኦት ዓሌት ዝተመርዓዉ ኣይሁዳውያን እዮም። ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ንሕድሕዶም ኣይፋተዉን ነበሩ።) ነገር ግን እቲ ሳምራዊ ነቲ ኣይሁዳዊ ምስረኣዮ ራሕርሓሉ። ስለዚ ተኸናኺኑ ኣቊስሉ ሰፈፈሉ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 9

“ሽዑ እቲ ሳምራዊ ነቲ ሰብኣይ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጉ ኣወጥሖ’ሞ ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ”።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 10

“ንጽባሒቱ እቲ ሳምራዊ መገዱ ክቕጽል ስለዝደለየ ነቲ ብዓል ቤት ገንዘብ ሂቡ፡ ‘ተኸናኸኖ፣ ካብዚ ንላዕሊ እንተውጺእኻ ድማ ክምለስ ከለኹ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ — illustration 11

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ፡ “ እንታይ ትብል፧ ነቲ ዝተዘርፈን ዝተወቕዐን ሰብ ካብቶም ሰለስተ ብጻዩ ኣየናይ እዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፣ “እቲ ዝራሕርሕሉ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ፣ “ንስኻ’ውን ኬድካ ከምኡ ግበር” ኢሉ ነገሮ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሉቃስ 10፡25-37።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).