26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 1

ኢየሱስ ነቲ ሰይጣን ዘምጽአሉ ፈተና ምስ ሰዓረ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገሊላ ዝበሃል ኣውራጃ ተመልሰ። ሽዑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናኸደ መሃረ። ኩሉ ሰብ ድማ ብዛዕብኡ ጽቡቕ ይዛረብ ነበረ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 2

ኢየሱስ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከተማ ናዝሬት ተመልሰ። ሰንበት ምስ ኰነ ናብ በት ጸሎት ከደ። ምእንቲ ከንብብ ድማ ጥቕሉል መጽሓፍ ኢሳይያስ ሃብዎ። ኢየሱስ ነቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ከፊቱ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 3

ኢየሱስ፡ “ንድኻታት ብስራት፡ ንዝተማረኹ ናጽነት፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንእተኣስሩ ሓርነት ክስብኽ እግዚኣብሄር መንፈሱ ሃበኒ። እዚኣ ሕርይቲ ዓመት ጐይታ እያ” ኢሉ ኣንበበ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 4

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ተቐመጠ። ኩሎም ድማ ቀሪቦም ረአይዎ። እቲ ሕጂ ዘንበቦ ክፍሊ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዘመልክት እዩ። ኢየሱስ፡ “እዚ ዘንበብኩልኩም ቃል ሕጂ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ በሎም” እቶም ህዝቢ ድማ ብምድናቕ፡ “እዚ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኰነን” በሉ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 5

ብድሕሪኡ ኢየሱስ፡ “ነብዪ ኣብ ዓዱ ከምዝይኽበር ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዘበን ኤልያስ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነበራ። ነገር ግን ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝናብ ኣብዘይነበሉ እዋን እግዚኣብሄር ንኤልያስ ኣብ ዝተፈልየ ዓዲ እምበር ኣብ እስራኤል ናብ ዘላ መበለት ክረድኣ ኣይለኣኾን።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 6

ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ምዝራብ ቀጸለ፡ “ብዘበን ኤልሳእ ሕማም ቈርበት ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ነበሩ። ኤልሳእ ግና ንሓዲኦም’ኳ ኣይፈወሶምን። ናይ እስራኤል ጸላእቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ናይ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ፈወሰ” እቶም ንኢየሱስ ይሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁዳውያን ነበሩ። ስለዚ ነዚ ክዛረብ ምስ ሰምዑ ብእኡ ሓረቑ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 7

ህዝቢ ናዝሬት ንኢየሱስ ካብቲ ዝምለኸሉ ቦታ ጎቲቶም ወሲዶም ክቐትልዎ ናብ ቀልቀል ጸድፊ ኣምጽእዎ። ነገር ግን ኢየሱስ ብማእኸል እቲ ህዝቢ ሓሊፉ ናብ ናዝሬት ከደ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 8

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ኣውራጃ ገሊላ ተዘዋወረ፡ ብዙሕ’ውን ናብኡ መጹ። ምርኣይ፡ ምኻድ፡ ምስማዕ፡ ምዝራብ ዘይኽእሉ ወሲኹ ብዙሓት ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላን ናብኡ ኣምጽኡ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 9

አጋንንቲ ዝሓደርዎም፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ኢየሱስ ኣምጽኡ። ኢየሱስ ክወጹ ምስ ኣዘዞም እቶም ኣጋንንቲ ካብቶም ሰባት ወጹ። ብዙሕ ግዜ ከኣ፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ድማ የእውዩ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ነዚ ርእዮም ብምድናቕ ንእግዚኣብሄር ኣምለኹ።

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ — illustration 10

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ መረጸ። እዞም ሃዋርያት ከኣ ምስ ኢየሱስ እናተጓዕዙ ካብኡ ተማህሩ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 4፡12-25፤ ማርቆስ 1፡14-15፣ 35-39፤ 3፡13-21፤ ሉቃስ 4፡14-30፣ 38-44።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).