25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 1

ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፡ ሽኡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድረበዳ ወሰዶ፡፡ ኣብኡ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾመ። ሽዑ ሰይጣን ናብ ኢየሱስ መጺኡ ሓጥያት ክገብር ንኢየሱስ ፈተኖ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 2

“ወዲ ኣምላኽ እንትዄንካስ ምእንቲ ክትበልዕ ነዞም ኣእማን ናብ እንጌራ ለውጦም” ኢሉ ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 3

ኢየሱስ ከኣ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቃል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብረን” ተባሂሉ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 4

ብድሕሪኡ ሰይጣን ንኢየሱስ ናብ ገምገም ቤተ መቕደስ ወሲዱ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካስ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ ምኽንያቱ፡ “እግርኻ ብእምኒ ከየዕንቅፍ ምእንቲ ክስከሙኻ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ” በለ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 5

ግናኸ ኢየሱስ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ ንሰይጣን መለሰሉ፡ “ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 6

ብድሕሪኡ ሰይጣን ንመንግስትታት ዓለምን ክብሮምን ኣርአዮ’ሞ፡ “ፍግም ኢልካ ንዓይ እንተሰጊድካለይ ነዚ ኩሉ ክህበካ እየ” በለ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 7

ኢየሱስ፡ “ኪድ! ርሓቕ! ሰይጣን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጥራይ ስገድ፡ ንዕኡ ጥራይ’ውን ኣምልኽ ኢሉ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣዚዙ’ዩ” በሎ።

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ — illustration 8

ኢየሱስ ንሰይጣን ፈተና ኣይተሳዕረን፡ ስለዚ ሰይጣን ንግዚኡ ሓደጎ፡፡ ብድሕሪኡ መላእኽቲ መጺኦም ንኢየሱስ ኣገልገልዎ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 4፡1-11፤ ማርቆስ 1፡12-13፤ ሉቃስ 4፡1-13።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).