13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 1

እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ ምስ መርሖም፡ ብምድረበዳ ገይሩ ሲና ናብ ዝበሃል ከረን ወሰዶም። እዚ እቲ ዝቃጸል ዝነበረ ግናኸ ዘይነድድ ቈጥቋጥ፡ ሙሴ ዝረኣየሉ ከረን እዩ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ከረን ድንኳኖም ተኸሉ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 2

እግዚኣብሄር፣ “ንዓይ እንተተኣዚዝኩምን ቃል ኪዳነይ እንተሓሊኹምን፡ ዝኸበረ ርስቲ፡ ናይ ንጉስ ካህናት፡ ከምኡ’ውን ቅዱስ ህዝቢ ክትኰኑለይ ኢኹም” ኢሉ ንሙሴን ንህዝቢ እስራኤልን ነገሮም።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 3

ነቶም ህዝቢ መንፈሳዊ ነገር ብዝምልከት ርእሶም ምስ ኣዳለዉ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ብነጐዳ፡ ብበርቅን ብትክን ከምኡ’ውን ዓው ብዝበለ ድምጺ መለኸትን ናብ ከረን ሲና ወረደ። ናብቲ ከረን ክድይብ እተፈቕደሉ ሙሴ ጥራይ ነበረ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 4

ብድሕሪኡ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ቃል ኪዳን ብምሃብ፡ “ኣነ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጻእኻ፡ ኣምላኽካ ያህዌ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽ”፡፡

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 5

“ጣኦታት ኣይትስርሕ፡ ኣይተምልኮም’ውን፡ ምኽንያቱ፡ ኣነ ያህዌ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ። ንስመይ ብኸንቱ ኣይትጸውዕ። ንመዓልቲ ሰንበት ቀድሳ። ምኽንያቱ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰሪሕኻ፡ እቲ ሻውዓይቲ መዓልቲ እትዓርፈላን ንዓይ እትዝክረላን ዕለት እያ”።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 6

“ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣይትሓሱ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ገዝኡ፡ ወይ ዝዀነ ናቱ ነገር ክትወስድ ኣይትመነ”።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 7

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ነዞም ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጸፋሕቲ ኣእማን ጽሒፉ ንሙሴ ሃቦ። ከምኡ’ውን ክስዕብዎም ዝግባእ ካልኦት ሕግታትን ትእዛዛትን ሃቦም። እቶም ህዝቢ ነዞም ሕግታት ምስ ዝፍጽሙ እግዚኣብሄር ከምዝባርኾምን ከምዝሕልዎምን ተስፋ ሃቦም።እንተዘይፈጺሞምዎ ግና እግዚኣብሄር ክቐጽዖም እዩ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 8

ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ክሰርሕዎ ዘለዎም ድንኳን መግለጺ ሃቦም። ንሱ ከኣ “ድንኳን ምርኻብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ብዓብዪ መጋረጃ ዝተመቕሉ ክልተ ክፍልታት ነበርዎ። እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር ስለዝነበረ፡ ነቲ መጋረጃ ሓሊፉ ክኣቱ ዝፍቀደሉ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ጥራሕ ነበረ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 9

ሕጊ እግዚኣብሄር ዘይፍጽም ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ ቅድሚት እቲ ድንኳን መራኸቢ ኣብ ዘሎ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ሒዙ ይመጽእ። እቲ ካህን ድማ ነቲ እንስሳ ሓሪዱ ኣብቲ መሰውኢ የቃጽሎ ነበረ። ደም እቲ እንስሳ ንሓጢኣት እቲ ሰብ ብምሽፋን ነቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የንጽሆ ነበረ። ካህናቱ ምእንቲ ክዀኑ ንሓው ሙሴ ንኣሮንን ንዘርኡንእግዚኣብሄር መረጸ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 10

ኩሎም እቶም ህዝቢ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሃቦም ትእዛዛት ንምፍጻም፡ ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ንምምላኽን ዝተፈልየ ህዝቡ ንምዃንን ተሰማምዑ። ይኹን እምበር ንእግዚኣብሄር ንምእዛዝ ቃል ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ዝኸፍአ ሓጢኣት ሰርሑ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 11

ሙሴ ንብዙሕ መዓልቲ ኣብ ጫፍ ከረን ሲና ኰይኑ ምስ እግዚኣብሄር ይዘራረብ ነበረ። እቶም ህዝቢ ግና ንዕኡ ምጽባይ ተሃከዩ። ስለዚ ናብ ኣሮን ወርቂ ኣምጺኦም ጣኦት ክሰርሐሎም ለመንዎ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 12

ኣሮን ድማ ብመልክዕ ምራኽ ናይ ወርቂ ጣዖት ሰርሐሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ቅጥዒ ብዘይብሉ ኩነታት ነቲ ጣዖት ከምልኹ ጀመሩ። መስዋእት’ውን ሰውኡሉ። ብሓጥያቶም ከኣ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዐ። ከጥፍኦም’ውን ሓሰበ። ነገር ግን ሙሴ ብዛዕብኣቶም ፀለየ። እግዚኣብሄር ፀሎቱ ስለዝሰምዐ ድማ ኣየጥፍኦምን።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 13

ሙሴ ካብቲ እምባ ወሪዱ ነቲ ጣኦት ምስረኣየ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፉሎም ጸፋሕቲ ኣእማን ከኣ ሰባበሮም።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 14

ብድሕሪኡ ሙሴ ነቲ ጣዖት ጠሓኖ፤ ኣብ ማይ ድማ በተኖ፤ ነቶም ህዝቢ ከኣ ኣሰተዮም። እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ መቕዘፍቲ ሰዲዱ ካብኣቶም ብዙሓት ሞቱ።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 15

ሙሴ መሊሱ ናብቲ ከረን ወጺኡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ይቕረ ክብለሎም ጸለየ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ሰሚዑ ድማ ይቕረ በለሎም። ነቶም ዝሰባበሮም ጸፋሕቲ ኣእማን ብምትካእ ኣብ ካልኦት ጸፋሕቲ ኣእማን ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ጸሓፎም።

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 16

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ከረን ሲና ናብታ ምድሪ ተስፋ መርሖም።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 19-34።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).