14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 1

እግዚኣብሄር እቲ ምስኣቶም ዝገበሮ ቃል ኪዳንን ሕግታትን ክእዘዙ ንእስራኤላውያን ምስ ነገሮም፡ ካብ ከረን ሲና ከዱ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ካብ ከረን ሲና ናብታ ከንኣን ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምድሪ ተስፋ መርሖም። ዓንዲ ደበና ቀቅድሚኦም ከደ፡ ንሳቶም ከኣ ሰዓብዎ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 2

እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ተስፋ ንዘርኦም ከምዘውርሶም ንኣብርሃም፡ ንይስሓቕን ንያእቆብን ተስፋ ሂብዎም ነበረ። ይኹን እምበር ኣብታ ምድሪ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ድማ ከንኣናውያን ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። ከንኣናውያን ንእግዚኣብሄር ኣይእዘዝዎን፡ ኣየምልኽዎን’ውን። ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ብዙሕ ነገራት ድማ ፈጸሙ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 3

እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ነገሮም፤ “ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዘለዉ ከንኣናውያን ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ሰላም ኣይሃልኹም፡ ኣይትዋሰቡ’ውን። ንኹሎም ጣኦታቶም ድማ ኣጥፍእዎም። ንዓይ ምእዛዝ እንተኣቢኹም፡ ኣብ ክንዳይ ንጣኦታቶም ክተምልኹ ኢኹም”።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 4

እስራኤላውያን ናብ ወሰን ከንኣን ምስበጽሑ፡ ሙሴ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት እስራኤል ሓድሓደ ሰብ፡ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት መረጸ። ከይዶም እታ ምድሪ እንታይ ከምእትመስል ክስልዩ መምሪሒ ሃቦም። እቶም ሰባት ብርቱዓት ወይ ድኹማት ምዃኖም ንምርኣይ ንኸንኣናውያን ምስላይ ኣድለዮም።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 5

እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ኣብ ከንኣን ንኣርብዓ መዓልቲ ብምጕዓዝ ተመሊሶም መጹ። “እታ ምድሪ ኣዝያ ለምለም፡ እኽላ ድማ ብዙሕ እዩ”› ኢሎም ነቶም ህዝቢ ነገርዎም። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ግና፣ “ከተማታቶም ጽኑዓት እየን፡ ንሳቶም ድማ ብርቱዓት እዮም፡ ምስኣቶም እንተተዋጋእና ክስዕሩና፡ ክቐትሉና’ውን እዮም” በሉ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 6

ሽዑ እቶም ካልኦት ክልተ ሰለይቲ፡ ካሌብን ኢያሱን፡ “ከንኣናውያን ነዋሕትን ብርቱዓትን ምዃኖም ሓቂ እዩ፡ ይኹን እምበር ንሕና ክንስዕሮም ኢና፡ ኣብ ክንዳና ዝዋጋእ እግዚኣብሄር እዩ” በሉ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 7

እቲ ህዝቢ ግና ንካሌብን ኢያሱን ኣይሰምዕዎምን። ኣብ ሙሴን ኣሮንን ተቘጢዖም ድማ፡ “ናብዚ ክፉእ ቦታ ንምንታይ ኣምጺእኹምና፡ ብውግእ ካብ እንሞት’ሞ ኣንስትናን ደቅናን ባሮት ካብ ዝዀኑ፡ ኣብ ግብጺ እንተንነብር ምሐሸና” በሉ። እቲ ህዝቢ መሊሱ ናብ ግብጺ መሪሑ ዝወስዶም መራሒ ንምምራጽ ደለዩ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 8

እግዚኣብሄር ብጣዕሚ ተቘጢዑ ናብቲ ድንኳን ምርኻብ መጸ። ከምዚ ድማ በሎም፡ “ንስኻትኩም ኣባይ ስለዝዓመጽኩም እዞም ህዝቢ ኩሎም ኣብ ምድረ በዳ ኮለል ክብሉ እዮም። ብዘይካ ኢያሱን ካሌብን ድማ ልዕሊ ዒስራ ዓመትን ዝዀኑ ኵሎም ኣብኡ ክሞቱ እዮም፡ ካባታቶም ሐደ’ኳ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣይክኣትውን” በለ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 9

እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓጢኣት ብምስርሖም ሓዘኑ። ናውቲ ውግኦም ሒዞም ድማ ምስ ከንኣናውያን ክዋግኡ ከዱ። እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለዘየለ ናብቲ ውግእ ከይኸዱ ሙሴ ኣጠንቀቖም። ንሳቶም ግን ኣይሰምዕዎን።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 10

እግዚኣብሄር ምስኣቶም ናብቲ ውግእ ስለዘይወጸ ተሳዕሩ፡ ብዙሓት’ውን ሞቱ። ብድሕሪኡ እስራኤላውያን ካብ ከንኣን ተመሊሶም ኣብ ምድረ በዳ ንኣርብዓ ዓመት ኮለል በሉ፡፡

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 11

ህዝቢ እስራኤል ኣብተን ኣብ ምድረበዳ ዝተንከራተቱለን ኣርብዓ ዓመታት እግዚኣብሄር መገቦም። ካብ ሰማይ “ማና” ዝብሃል እንጀራ ሃቦም። ስጋ ክበልዑ ድማ ናብ ሰፈሮም ብርንሂጎታት ሰደደሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ክዳኖም ኰነ ጫምኦም ከምዘይኣርግ ገበረሎም።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 12

እግዚኣብሄር ተኣምራዊ ብዝዀነ መንገዲ ካብ ከውሒ ከይተረፈ’ኳ ማይ ኣውጺኡ ኣስተዮም። እዚ ኩሉ ኰይኑ ክነሱ፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሙሴን ኣብ እግዚኣብሄርን ኣማረሩን ኣጒረምረሙን። ይዅን እምብር እግዚኣብሄር እቲ ንኣብርሃምን ንይስሓቕን ንያእቆብን ዘተስፈዎም ንምፍጻም ሕጂ’ውን እሙን ነበረ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 13

እቶም ህዝቢ ጥብ እትብል ማይ ኣብ ዘይነበሮም እዋን እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ “ነዚ ከውሒ ተዛረቦ፡ ንሱ ከኣ ማይ ክፍልፍል እዩ” በሎ። ሙሴ ግና ነቲ ከውሒ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ክልተ ሳዕ ብበትሪ ስለዝወቕዖ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣየኽበሮን። ኵሉ ሰብ ምእንቲ ክሰቲ ድማ ካብቲ ከውሒ ማይ ፈልፈለ፡ እንተኾነ እግዚኣብሄር ኣብ ሙሴ ተቘጥዐ፡ “ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣይትኣትውን” ድማ በሎ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 14

እስራኤላውያን ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረበዳ ኮለል ምስ በሉ፡ እቶም ኣብ እግዚኣብሄር ዝዓመጹ ኵሎም ሞቱ። ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መሊሱ ናብ ወሰን እታ ምድሪ ተስፋ መርሖም። ሽዑ ሙሴ ኣሪጉ ነበረ። ስለዚ ነቲ ህዝቢ ብምምራሕ ምእንቲ ክሕግዞ እግዝኣብሄር ንኢያሱ መረጸ። ከምኡ’ውን ከም ሙሴ ዝበለ ካልእ ነብዪ ሓደ መዓልቲ ከምዝልእኽ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተስፋ ሃቦ።

14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ — illustration 15

ብድሕሪኡ ነታ ምድሪ ተስፋ ምርኣይ ምእንቲ ክኽእል ናብ ጫፍ ከረን ክወጽእ ንሙሴ እግዚኣብሄር ነገሮ። ሙሴ ነታ ምድሪ ተስፋ ረኣያ፡ ናብኣ ክኣቱ ግና እግዚኣብሄር ኣይፈቐደሉን። ብድሕሪኡ ድማ ሙሴ ሞተ። እስራኤላውያን ከኣ ሰላሳ መዓልቲ ሓዘኑ። ቀጺሉ ሓዱሽ መራሒኦም ኢያሱ ኰነ። ኢያሱ ብእግዚኣብሄር ዝኣመነን ምእዙዝን ስለዝነበረ ጥዑይ መራሒ ነበረ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 16-17፤ ዘሁልቁ 10-14፤ 20፤ 27፤ ዘዳግም 34።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).