12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 1

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ብምውጽኦም ኣዝዮም ተሓጐሱ። ናብታ ምድሪ ተስፋ ይጐዓዙ ስለዝነበሩ ድሕሪ ደጊም ባሮት ኣይኮኑን፡፡ ግብጻውያን፡ እስራኤላውያን ወርቅን ብሩርን ካልኦት ዝኸበሩ ነገራትን ከይተረፉ ዝሓተትዎም ኵሉ ሂቦም ሰደድዎም። ካብ ግብጺ ክውጹ ከለዉ ሓደሓደ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ብእግዚኣብሄር ኣሚኖም ምስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ወጹ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 2

እግዚኣብሄር ቀቅድሚኦም ዝኸይድ ብመዓልቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ነዊሕ ዓንዲ ሓዊ ጌይሩ መርሖም። እግዚኣብሄር ምስኦም ነበረ’ሞ ኣብ ኵሉ ጉዕዝኦም መርሖም፡፡ ንሳቶም ክገብርዎ ዝግባእ ንዕኡ ምስዓብ ጥራይ ነበረ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 3

ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ፡ ፈርኦንን ህዝቡን ሓሳቦም ብምቕያር፡ ንእስራኤላውያን መሊሶም ባሮት ክገብርዎም ደለዩ። እግዚኣብሄር ንሱ ጥራይ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዝዀነ ህዝቡ ምእንቲ ክርእዩ፡ ከምኡ’ውን ንሱ “ያህዌ” ካብ ፈርኦንን ኣማልኽቱን ዝበለጸ ሓያል ኣምላኽ ከምዝዀነ ምእንቲ ክፈልጡ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ። ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 4

ስለዚ ፈርዖንን ሰራዊቱን መሊሶም ባሮቶም ክገብርዎም ንእስራኤላውያን ኣሳደድዎም። እስራኤላውያን፡ ሰራዊት ግብጺ ክስዕቦም ምስረኣዩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈርኦንን ቀይሕ ባሕርን ከምእተቐርቀሩ ተረድኡ። ኣዝዮም ፈሪሖም ስለዝነበሩ ድማ፡ “ካብ ግብጺ ንምንታይ ወጻእና፧ ደጊም ክውድኡና እዮም” ኢሎም ኣእወዩ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 5

ሙሴ ከኣ ንእስራኤላውያን፡ “ኣይትፍርሑ፡ ሎሚ እግዚኣብሄር ክዋግኣልኩምን ከድሕነኩምን እዩ” በሎም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ “ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንኽኸዱ ነቶም ህዝቢ ንገሮም” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 6

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ምእንቲ ከይርእይዎም ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ግብጻውያንን ገበሮ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 7

ሙሴ ኢዱ ናብቲ ባሕሪ ብምዝርጋሕ ነቲ ባሕር ክመቕሎ እግዚኣብሄር ነገሮ። ሽዑ ንፋስ መጺኡ ነቲ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ መገዲ ኣውጽአሉ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 8

ሽዑ እስራኤላውያን እቲ ማይ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ኰነሎም፡ በቲ ባሕሪ ብንቑጽ መሬት ሰገሩ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 9

ብድሕሪኡ እስራኤላውያን ከምዘምልጥዎም፡ ግብጻውያን ምእንቲ ክርእዩ፡ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣግለሶ። ግብጻውያን ከኣ ደድሕሪኦም ስዒቦም ምስጓጕ ጀመሩ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 10

ኣብቲ ባሕሪ ኣትዮም ድማ ንእስራኤላውያን ሰዓብዎም። እግዚኣብሄር ግና ግብጻውያን ከምዝጭነቑን ሰረገላታቶም ምኻድ ከምዝኣብይዎምን ገበረ። “ህደሙ! እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን እናተዋግአሎም እዩ” ኢሎም ድማ ኣእወዩ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 11

እስራኤላውያን ነቲ ባሕሪ ብሰላም ምስ ሰገሩ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ መሊሱ ኢዱ ናብቲ ባሕሪ ክዝርግሕ ኣዘዞ። ከምቲ ዝበሎ ምስገበረ ከኣ፡ እቲ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ግብጻውያን ተመሊሱ ከምቲ ዝነበሮ ኰነ። ኩሎም ሰራዊት ግብጺ ድማ ኣብቲ ባሕሪ ሰጠሙ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 12

እስራኤላውያን ግብጻውያን ከምዝሞቱ ምስረአዩ፡ ብእግዚኣብሄረ ኣመኑ፡ ሙሴ’ውን ናይ እግዚኣብሄር ነብዪ ከምዝዀነ ኣመኑ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 13

ከምኡ’ውን እስራኤላውያን እግዚኣብሄር ካብ ሞትን ባርነትን ስለዘድሐኖም ኣዝዮም ተሓጐሱ፡ ሕጂ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ናጻ ኰኑ። ካብ ሰራዊት ግብጻውያን ስለዘድሐኖም ስለ እቲ ዝረኸብዎ ሓድሽ ናጽነት፡ ንእግዚኣብሄር ከኽብርዎን ከመስግንዎን ብዙሕ መዝሙር ዘመሩ።

12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም — illustration 14

እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ኣብ ግብጻውያን ዓወት ከምዝሃቦምን ካብ ባርነት ናጻ ከምዘውጽኦምን ምእንቲ ክዝክሩ በብዓመቱ ፋሲጋ ዝበሃል በዓል ከብዕሉ ንእስራኤላውያን ኣዘዞም። ገንሸል ሓሪዶም ምስ ዘይበዅዐ ቅጫ በሊዖም ድማ ተሐጐሱ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 12፡33-15፡21።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).