9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 1

ዮሴፍ ምስ ሞተ ኣዝማዱ ኩሎም ኣብ ግብጺ ጸንሑ። ንሳቶምን ዘርኦምን ንብዙሕ ዓመት ኣብኡ ተቐመጡ። ብዙሓት ድማ ወለዱ። ንሳቶም ድማ “እስራኤላውያን” ተባሂሎም ተጸውዑ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 2

ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ቁጽሪ እስራኤላውያን እናበዝሐ መጸ። ግብጻውያን ንዮሴፍን ንኣታቶም ዝገበሮ ኩሉ ሓገዝን ረስዕዎ። እስራኤላውያን እናበዝሑ ስለዝመጹ ግብጻውያን ፈርሕዎም። ስለዚ እቲ ሽዑ ንግብጺ ዘማሓድር ዝነበረ ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ባሮት ግብጻውያን ገበሮም።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 3

እስራኤላውያን ቀጽርታት ክሰርሑን ነቲ ከተማ ኵላ ክሃንጹን ግብጻውያን የገድድዎም ነበሩ። ብብዝሒ ስራሕ ድማ ላሕ ኣበልዎም። ግናኸ እግዚኣብሄር ባረኾም፡ ብዙሓት ውሉድ ድማ ሃቦም።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 4

ፈርዖን፡ እስራኤላውያን ብዙሓት ህጻናት ከምዝወለዱ ምስ ረኣየ፡ ሽዑ ፈርኦን ካብ እስራኤላውያን ኣወዳት ምስ ዝውለዱ ኩሎም ኣብ ሩባ ኒል ክድርብይዎ ንህዝቢ ኣዘዘ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 5

ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ወዲ ወለደት፡ ንሳን ሰብኣያን ድማ ክሳብ ዝከኣሎም ነቲ ቈልዓ ሓብእዎ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 6

እቶም ወለዱ ድማ ነዚ ቈልዓ ምሕብኡ ምስ ሰኣኑ፡ ምእንቲ ከይመውት ሳጹን ሻምብቆ ብቕጥራንን ብዕንዲዳን ለቢጦም ብምድላው ነቲ ቈልዓ ኣእትዮም፡ ኣብ ወሰን ሩባ ኒል ኣብ ዝርከብ ሰልሰላ ኣንበርዎ። ዓባይ

ሓብቱ ድማ እንታይ ከምዝበጽሖ ክትርኢ ኣብ ቀረባ ኮይና ትከታተል ነበረት።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 7

ጓል ፈርኦን ኣብቲ ሩባ ሳጹን ምስ ረኣየት፡ ገረዳ ልኢኻ ብምምጻእ፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ቈልዓ ረኣየቶ። ነቲ ህጻን ከም ወዳ ገይራ ወሰደቶ። ነቲ ቈልዓ እተዕብየላ እስራኤላዊት ሰበይቲ ድማ ቆጸረት። እታ ዝተቘጽረት ሰበይቲ ድማ ኣዲኡ ከምዝዀነት ኣይፈለጠትን ነበረት። እቲ ቈልዓ ዓብዩ ጡብ ምስገደፈ ናብ ጓል ፈርኦን መለሰቶ። ስሙ ድማ “ሙሴ” ኢላ ኣውጽኣትሉ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 8

ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ሓደ መዓልቲ ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ክወቕዖ ረኣየ። ሙሴ ነቲ ብጻዩ ዝዀነ እስራኤላዊ ከድሕኖ ደለየ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 9

ሙሴ ሰብ ዘይረኣዮ መሲልዎ ድማ ነቲ ግብጻዊ ቀቲሉ ቀበሮ። ይኹን እምበር ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ሓደ ሰብ ርእይዎ ነበረ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 10

ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ፈርኦን ምስ ሰምዐ ክቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ወታደራት ፈርኦን ነፍሱ ከድሕን ናብ ምድረ በዳ ሃደመ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 11

ካብ ግብጺ ርሑቕ ዝኾነ ምድረ በዳ ድማ ሓላዊ ኣባጊዕ ኰነ። ካብታ ሃገር ሰበይቲ ኣእትዩ ክልተ ኣወዳት ወለደ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 12

ሓደ መዓልቲ ሙሴ ኣባጊዕ እናሓለወ ከሎ፡ ዝነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ረኣየ፡ እቲ ቈጥቋጥ ግና ኣይተበልዐን፡ ሙሴ ድማ ኣጸቢቑ ክርኢ ደልዩ ናብቲ ቈጥቋጥ ተጸግዐ። ናብቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ ምስ ተጸግዐ ድምጺ እግዚኣብሄር፡ “ሙሴ፡ ሙሴ እቲ ደው ኢልካሉ ዘለኻዮ ቦታ ቅዱስ እዩ’ሞ ኣሳእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ።

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 13

እግዚኣብሄር ከኣ፡ “መከራ ህዝበይ ስለዝርአኹ ናብ ፈርኦን ክሰደካ እየ፡ ንህዝበይ ንእስራኤል ድማ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ክተውጽኦም ኢኻ። ነቲ ንኣብርሃምን ንይስሓቕን ንያእቆብን ዘተስፈኹዎም ምድሪ ከንኣን ድማ ክህቦም እየ”

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 14

ሙሴ ድማ እቶም ህዝቢ መን ልኢኹካ እንተበሉኒኸ መን ክብሎም እየ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሓተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ “ኣነ፡ ዘለኹን ዝነብርን እየ” ስለዚ “እቲ ዘሎን ዝነብርን፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሓቕ ያእቆብ፡ ልኢኹኒ፡ ስመይ ከኣ ንሓዋሩ እዚ እዩ” ኢልካ ንገሮም”፡፡

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ — illustration 15

ሙሴ ስለዝፈርሐ ናብ ፈርኦን ክኸይድ ኣይደለየን። ምኽንያቱ ናይ ምዝራብ ክእለት የብለይን ኢሉ ስለዝሓሰበ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ሓው ሙሴ ኣሮን ምስኡ ከይዱ ክሕግዞ ለኣኾ። እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኣይሓድግን ኢሉ ልቡ ከትርር ከምዝኽእል ኣጠንቀቖም።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 1-4።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).