10. እቶም ዓሰርተ መዓት

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 1

ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ “ኣምላኽ እስራኤል ንህዝበይ ሕደጎም” ይብለካ ኣሎ በልዎ። ፈርኦን ግና ኣይሰምዖምን። እስራኤላውያን ናጻ ኰይኖም ክወጹ ኣብ ክንዲ ምግባር ዝገደደ ከቢድ ስራሕ ክሰርሑ ኣገደዶም።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 2

ፈርዖን ነቲ ህዝቢ ኣይሓድግን ምባሉ ቀጸለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ሰደደ። እግዚኣብሄር ከኣ ብምኸንያት እዞም መዓት ካብ ፈርኦንን ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ግብጽን ዝበለጸ ሓያል ምዃኑ ንፈርኦን ኣርአዮ።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 3

እግዚኣብሄር ንማይ ኒል ናብ ደም ለወጦ፡ ሕጂ’ውን ፈርኦን ንእስራኤላውያን ክሰዶም ኣይደለየን።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 4

እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ግብጺ ቊርዖብ ሰደደ። ፈርኦን ከኣ ነተን ቊርዖብ ከወግድሉ ንሙሴ ለመኖ። ብድሕሪዚ ከኣ ኩለን እተን ቊርዖብ ምስ ሞታ፡ ፈርኦን ግን ልቡ ብምትራር እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክውጹ ኣይሰደዶምን። ን።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 5

ስለዚ እግዚኣብሄር ጻጹት ሰደደ። ቀጺሉ ድማ ጽንጽያ ከልቢ ሰደደ። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ነዞም መዓት እንተ ኣወጊዶሙሉ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ነገሮም። ሙሴ ምስ ጸለየ ድማ እግዚኣብሄር ነቶም ጽንጽያታት ካብ ግብጺ ኣወገዶም። ሕጂ’ውን ፈርኦን ልቡ ብምትራር ንእስራኤላውያን ኣይሓድግን በለ።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 6

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ማል ግብጻውያን ብሕማም ክሞታ ገበረ። ፈርኦን ግና ልቡ ብምትራር ንእስራኤላውያን ኣይሰደዶምን።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 7

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ሓሙኽስቲ ክብትን ንሙሴ ኣዘዞ። ሙሴ ነቲ ሓሙኽሽቲ ናብ ሰማይ ምስ በተነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ዘሕምም ቊስሊ ወጾም። ኣብ እስራኤላውያን ግና እቲ ቊስሊ ኣይወጸን። እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ፈርኦን ድማ ንእስራኤላውያን ኣይሓደጎምን።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 8

ድሕሪ እዚ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ኣዝርአቲ ኩሉን ኣብ መሮር ዝነበረ ሰብ ዘጥፍአ በረድ ከምዝወቅዕ ገበረ። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ኣሮንን ጸዊዑ፡ “በዲለ እየ፡ ሕጂ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ ነገሮም። ስለዚ ሙሴ ጸለየ፡ እቲ በረድ ድማ ምውቃዕ ኣቋረጸ።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 9

ይኹን እምበር ፈርኦን መሊሱ ሓጢኣት ሰርሐ ልቡ’ውን ኣትረረ። ንእስራኤላውያን ድማ ክሰዶም ኣይፈተወን።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 10

እግዚኣብሄር ድማ ናብ ግብጺ ዕስለ ኣንበጣ ኣምጽአ። እዞም ኣንበጣታት ከኣ ነቲ በረድ ዘየጥፍኦ እኽሊ በልዕዎ።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 11

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ጸልማት ሰደደ። ግብጻውያን ካብ ኣባይቶም ምውጻእ ክሳዕ ዝስእኑ ኣዝዩ ጸልሚቱ ነበረ።

ኣብቲ እስራኤላውያን ዝነብሩሉ ከባቢ ግና ብርሃን ነበረ።

10. እቶም ዓሰርተ መዓት — illustration 12

ድሕሪ እዞም ትሽዓተ መዓት’ኳ ፈርኦን ንእስራላውያን ክሰድድ ኣይፈተወን፡፡ ፈርኦን ምስማዕ ስለ ዝኣበየ፡ እግዚኣብሄር ልቢ ፈርኦን ዝልውጥ ሓደ ናይ መወዳእታ መዓት ክሰድድ ወሰነ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 5-10።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).