7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 1

እቶም ቈልዑ ምስ ዓበዩ ያእቆብ ምስ ኣዲኡ ኣብ ገዛ ምውዓል ዝፈቱ ኰነ። ኤሳው ግና ሃደን ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት፡ ይስሓቕ ግን ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 2

ሓደ መዓልቲ ኤሳው ካብ ሃደን ተመሊሱ ምስ መጸ ኣዝዩ ጠምይዎ ነበረ። ኤሳው ንያእቆብ “በጃኻ ካብቲ ዘዳለኻዮ ምግቢ ንእሽተይ ሃበኒ” በሎ። ያእቆብ ኸኣ ኣቐዲምካ መሰል ብዅርንኻ ሽጠለይ በሎ። ኤሳው ድማ መሰል ብዅርንኡ ንያእቆብ ሃቦ። ያእቆብ’ውን ካብቲ ዝሰርሖ ምግቢ ንኤሳው ሃቦ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 3

ይስሓቕ ንኤሳው ክባርኾ ደለየ። ቅድሚኡ ግና ርብቃን ያእቆብን ንይስሓቕ ኣታለልዎ። ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ፡ ናብ ይስሓቕ ቀረበ። ይስሓቕ ስለ ዝኣረገ ኣይርእይን ነበረ። ስለዚ ያእቆብ ናይ ኤሳው ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ኣእዳዉን ኣብ ክሳዱን ድማ ቆርበት ማሕስእ ገይሩ ብምቕራብ ንይስሓቕ ኣታለሎ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 4

ያእቆብ ናብ ይስሓቕ መጺኡ፡ “ኣነ ኤሳው እየ፡ መጺአ ኣለኹ’ሞ ባርኸኒ” በሎ። ይስሓቕ ነቲ ጨጕሪ ማሕስእ ዳህሲሱን ክዳኑ ኣጫንዩን ኤሳው ከምዝዀነ ብምሕሳብ ባረኾ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 5

ያእቆብ መሰል ብዅርንኡን በረኸቱን ኣታሊሉ ስለዝወሰደሉ ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ። ኣቡኦም ምስ ሞተ ድማ ክቐትሎ ሓሰበ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 6

እንተኾነ ርብቃ መደብ ኤሳው ሰምዐት። ስለዚ ንሳን ይስሓቕን ተማኺሮም ምስ ኣዝማዶም ክነብር ናብ ርሑቕ ዓዲ ንያእቆብ ሰደድዎ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 7

ያእቆብ ንብዙሕ ዓመት ምስ ኣዝማድ ርብቃ ተቐመጠ። ሽዑ ሓዳር ገይሩ 12 ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወለደ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣሀብተሞ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 8

ካብ ከንኣን ርሒቁ ዒስራ ዓመት ምስ ተቐመጠ ያእቆብ ምስ ስድርኡን ምስ ሰራሕተኛታቱን ምስ ጥሪቱን ናብ ምድሪ ከንኣን ክምለስ ወሰነ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 9

ያእቆብ ከኣ ኤሳው ሕጂ’ውን ክቐትለኒ ይደሊ ይኸውን እዩ ኢሉ ሓሲቡ ፈርሐ። ስለዚ ገጸ በረኸት ዝኸውን ብዙሕ ማል ውህብቶ ገይሩ ንኤሳው ሰደደሉ። ነቶም ንኤሳው ማል ዝወስዱሉ ኣገልገልቲ ያእቆብ ንኤሳው፡ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ ነዘን ማል ሰዲዱልካ እንሆ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ክመጽእ እዩ” በልዎ።

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ — illustration 10

ኤሳው ግን ቀደሙ’ውን ንያእቆብ በደሉ ይቕረ ስለዝበለሉ፡ መሊሱ ክረኽቦ ሕጕስ ነበረ። ያእቆብ ኣብ ምድሪ ከንኣን ብሰላም ተቐመጠ። ብድሕሪኡ ይስሓቕ ሞተ፡ ያእቆብን ኤሳውን ድማ ቀበርዎ። እቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኸኣ፡ ናብ ያእቆብ ተመሓላለፈ። ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 25፣27-33፡20።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).