47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 1

ሳውል ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉሰ ነገስት ሮማ ክዘዋወር ከሎ፡ ነቲ “ጳውሎስ” ዝብል ሮማዊ ስሙ ምጥቃም ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ጳውሎስ ምስ ብጻዩ ሲላስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ክዛረቡ ናብ ከተማ ፊልጵስዩስ ከዱ። ሰባት ክጽልዩ ናብ ዝተኣከቡሉ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ጥቓ ሩባ ናብ ዝርከብ ስፍራ ከዱ። ኣብኡ ነጋዲት ዝነበረት ልድያ ዝብልዋ ሰበይቲ ረኸቡ። ንሳ ድማ ንእግዚኣብሄር እትፈቱን እተምልኽን ነበረት።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 2

ብዛዕባ ኢየሱስ ዝተነገረ መልእኽቲ ክትኣምን እግዚኣብሄር ልባ ከፈተላ። ንሳን ስድርኣን ድማ ተጠመቑ፡ ኣብ ገዝኣ ክነብሩ ከኣ ንጳውሎስን ሲላስን ዓደመቶም፡ ንሳቶም ምስኣን ምስ ስድርኣን ጸንሑ።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 3

ጳውሎስን ሲላስን ብዙሕ ሳዕ ኣብቲ ጸሎት ዝግበረሉ ቦታ ምስ ሰባት ይራኸቡ ነበሩ። መዓልታዊ ናብኡ ክኸዱ እንተለዉ ሓንቲ ጋኔን ዝሓደራ ግዝእቲ ትስዕቦም ነበረት።

ንሳ ድማ በቲ ዝሓዛ ጋኔን እናተሓገዘት ብዛዕባ ዝመጽእ ኩነታት ንሰባት ትትንብየሎም ነበረት፡ ብጥንቁልናኣ ኸኣ ንጐይቶታ ብዙሕ ገንዘብ ተምጽአሎም ነበረት።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 4

እታ ግዝእቲ ንሳቶም ክዘዋወሩ ከለዉ እናሰዓበት ዓው ኢላ፡ “እዞም ሰባት መንገዲ ምድሓን ዝነግርኹም ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላኽ እዮም”። እንበለት ምዝራብ ቀጸለት። ጳውሎስ ክሳዕ ዝቚጣዕ ደጋጊማ ከምዚ ገበረት።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 5

ኣብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ ግዝእቲ ዓው ኢላ ምዝራብ ምስ ጀመረት ጳውሎስ ናብኣ ቁሊሕ ኢሉ ነቲ ኣብኣ ዝሓደረ ጋኔን፡ “ብስም ኢየሱስ ካብኣ ውጻእ” በሎ። እቲ ጋኔን ድማ ሽዑ ወጸ።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 6

ጐይቶት እታ ግዝእቲ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም ተቘጥዑ፡ ብዘይ እቲ ጋኔን እታ ግዝእቲ ክትጥንቊል ከምዘይትኽእል ከኣ ፈለጡ። እዚ ኸኣ ንሰባት ዝኾንዎ ነገር ምትንባይ ስለዘይትኽእል ድማ ንጐይቶታ ገንዘብ ክተምጽአሎም ኣይከኣለትን።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 7

ስለዚ እቶም ጐይቶታ ንጳውሎስን ሲላስን ናብ መኳንንቲ ሮማ ወሰድዎም፡ ንሳቶም ድማ ቅጥቅጥ ኣቢሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 8

ንጳውሎስን ሲላስን ኣብቲ ውሽጣዊ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም፡ ኣእጋሮም ድማ ምስ ጕንዲ ኣሰርዎም። ይዅን እምበር ኣብ ፍርቂ ለይቲ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 9

ብሃንደበት ከቢድ ራዕዲ ምድሪ ኰነ፡ ኩሎም መዓጹ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ተኸፍቱ፡ ናይ ኩሎም እሱራት መቓውሕ ከኣ ተፈትሐ።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 10

እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ካብ ድቃሱ ምስ ነቕሐ፡ ኵሎም መዓጹ ከምእተኸፍቱ ምስ ረኣየ ፈርሐ፡ ኵሎም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ ነፍሱ ከጥፍእ ሓሰበ።

(እሱራት እንተምሊጦም መኳንንቲ ሮማ ከምዝቐትልዎ ፈለጠ።) ነገር ግን ጳውሎስ ረኣዮ’ሞ ዓው ኢሉ፡ “ግደፍ ነፍስኻ ከይተጥፍእ። ኩልና ኣብዚ ኢና ዘለና” በሎ።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 11

እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ናብ ጳውሎስን ሲላስን እናተንቀጥቀጠ መጺኡ፡ “ክድሕን እንታይ ክገብር” ኢሉ ሓተቶም። ጳውሎስ ድማ፡ “ብጐይታ ኢየሱስ እመን፡ ንስኻን ስድራኻን ክትድሕኑ ኢኹም” ኢሉ መለሰሉ። ብድሕሪኡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ንጳውሎስን ሲላስን ናብ ገዝኡ ወሲዱ ቊስሎም ሓጸበሎም። ጳውሎስ ድማ ነቶም ኣብቲ ገዝኡ ዝነበሩ ኵሎም ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ሰበኸሎም።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 12

ሓላዊ ቤት ማእሰርትን ቤተሰቡን ብኢየሱስ ኣሚኖም ተጠመቑ። ብድሕሪኡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ንጳውሎስን ሲላስን ምግቢ ቀረበሎም’ሞ ብሓደ ተሓጐሱ።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 13

ንጽባሒቱ ኣመሓደርቲ ከተማ ፊልጵስዩስ ንጳውሎስን ሲላስን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ካብ ፊልጵስዩስ ክኸዱ ሓተትዎም። ጳውሎስን ሲላስን ንልድያን ካልኦት ፈተውቶምን ተፋኒዮም፡ ነታ ከተማ ለቒቖም ከዱ። ብዛዕባ ኢየሱስ ዝንገር ብስራት ድማ ምስፍሕፍሑ ቀጸለ፡ ቤተ ክርስቲያን’ውን ምዕባያ ቀጸለት።

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ — illustration 14

ጳውሎስን ካልኦት ክርስቲያን መራሕትን ነቲ ብስራት ኢየሱስ እናሰበኹን እናመሃሩን ናብ ብዙሓት ከተማታት ከዱ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ንዘለዉ ኣመንቲ ከበረታትዕዎምን ክምህርዎምን ብዙሓት መልእኽቲታት ጸሓፉሎም። እዞም መልእኽትታት ድማ ሓድሓዲኦም ናይ መጻሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኰኑ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 16፡11- 40።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).