44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 1

ሓደ መዓልቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ነበሩ። ናብ ኣፍ ደገ እቲ ቤተ መቕደስ ምስ ቀረቡ፡ ገንዘብ ይልምን ዝነበረ ሓደ ዝለመሰ ሰብ ረኣዩ።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 2

ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብ ረኣዮ’ሞ፡ “ዝህበካ ምንም ገንዘብ የብለይን። ነዚ ዘለኒ ግና ክህበካ እየ። ብስም ኢየሱስ ተስእ’ሞ ተመላለስ” በሎ።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 3

እግዚኣብሄር ድማ ሽዑ ነቲ ልሙስ ሰብ ፈወሶ። ንሱ ከኣ እናዘለለን እናጐየየን ንኣምላኽ ከመስግን ጀመረ። እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣዝዮም ተደነቑ።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 4

ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ነቲ እተፈወሰ ሰብ ክርእይዎ ተኣከቡ። ጴጥሮስ ድማ ከምዚ በሎም፡ “እዚ ሰብ ስለእተፈወሰ ንምንታይ ትግረሙ፧ ብገዛእ ሓይልና ወይ ብልግስናና ኣይኰነን ዝተፈወሰ። እዚ ሰብ እተፈወሰ ብሓይሊ ኢየሱስን ብእኡ ብምእማን እዩ።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 5

“ንኢየሱስ ምእንቲ ክቐትሎ ነቲ ገዛኢ ሮም ዝነገርኩምዎ ንስኻትኩም ኢኹም። ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም እንተዘየስተውዓልኩምዎ እኳ፡ ነቶም መሲሕ መከራ ከምዝቕበልን ከምዝመውትን ዝተነግሩ ትንቢታት ንምፍጻም ኮነ፡፡ ስለዚ ሓጥኣትኩም ምእንቲ ክድምሰሰልኩኩም ሕጂ ተነስሑን ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱን”።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 6

መራሕቲ ቤተ መቕደስ ግና በቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ይዛረብዎ ዝነበሩ ኣዝዮም ተቘጥዑ። ሒዞም ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ይዅን እምበር ብዙሓት በቲ ጴጥሮስ ዝተዛረቦ ቃል ኣመኑ፡ ቍጽሪ እቶም ብኢየሱስ ዝኣመኑ ሰባት ከኣ ናብ 5,000 ዓበየ።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 7

ንጽባሒቱ፡ መራሕቲ ኣይሁድ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ ሊቀ ኻህናትን ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ኣምጽእዎም። ንጴጥሮስን ዮሃንስን ከኣ፡ “ነዚ ልሙስ ሰብ ብምንታይ ሓይሊ ኢኹም ፈዊስኩምዎ”፧ ኢሎም ሓተትዎም።

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 8

ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ “እዚ ሰብ ብሓይሊ እቲ መሲሕ ኢየሱስ ተፈዊሱ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ እንሆ። ንስኻትኩም ንኢየሱስ ሰቐልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ግና መሊሱ ኣተንስኦ! ንስኻትኩም ድማ ኣይተቐበልኩምዎን፡ ኮይኑ ግና ብሓይሊ ኢየሱስ እንተዘይኰይኑ ብኻልእ ምድሓን የለን”

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ — illustration 9

ጴጥሮስን ዮሃንስን ብድፍረት ስለእተዛረቡ እዞም መራሕቲ ሰንበዱ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ከምዝዀኑ ይፈልጡ ስለዝነበሩ እዩ። እንተኾነ እዞም ሰባት ምስ ኢየሱስ ከምዝነበሩ ዘከሩ። ንጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ኣፈራርሕዎም፡ ኪዱ ኢሎም ሰደድዎም።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 3፡1-4፡22።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).