38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 1

ኣይሁድ በብዓመቱ በዓል ፋሲጋ የብዕሉ ነበሩ። እዚ በዓል ቅድሚ ብዙሓት ኣማኢት ዓመታት እግዚኣብሄር ንኣቦታቶም ካብ ኣብ ግብጺ ዝነበሩሉ ባርነት ከመይ ከምዘውጽኦም ንምዝካር ዝበዓል እዩ። ኢየሱስ ብግልጺ ምምሃር ካብ ዝጅምር ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ነዚ በዓል ፋሲጋ ምስኣቶም ከብዕል ደለየ፡ ኣብኡ ድማ፡ ከምዝቕተል ንደቀመዛሙርቱ ነገሮም።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 2

ካብ ደቀመዛሙርቲ ኢየሱስ እቲ ሓደ ይሁዳ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ይሁዳ ተሓዝ ገንዘብ ናይ ሃዋርያት ነበረ። እንተኾነ ገንዘብ ይፈቱ ስለዝነበረ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ማሕፉዳ ገንዘብ ይሰርቕ ነበረ። ኢየሱስ ምስ ደቀመዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ይሁዳ ናብ መራሕቲ ኣይሁድ ከይዱ ንኢየሱስ ብገንዘብ ኣሕሊፉ ክህቦም ተሰማምዐ። ኢየሱስ መሲሕ ምዃኑ ከምዝኸሓዱን፡ ክቐትልዎ ሻራ ይገብሩ ከምዝነበሩን ፈለጠ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 3

መራሕቲ ኣይሁድ በቲ ሊቀኻህናት እናተመርሑ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ምእንቲ ክህቦም ንይሁዳ ሰላሳ ቅርሺ ብሩር ከፈልዎ። ከምቲ ነብያት ዝተነበይዎ’ውን ኰነ። ይሁዳ ኸኣ ተሰማምዐ፡ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ድማ ኸደ። ንኢየሱስ ምእንቲ ክሕዝዎ፡ ክሕግዞም ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 4

ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲጋ ኣብዓለ። በቲ ጊዜ ፋሲጋ እንጀራ ኣልዒሉ ቈረሰ። ከምዚ ድማ በለ፡ “ውሰዱ ነዚ ብልዑ።እዚ ስሌኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ። ነዚ ድማ ንመዘከርታይ ግበርዎ”። በዚ መገዲ ኢየሱስ ስጋኡ፡ ስሊኦም ከምዝስዋእ ነገሮም።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 5

ከምኡ’ውን ኢየሱስ ጽዋዕ ኣልዒሉ፡ “ነዚ ስተይዎ። ስለ ሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ነዚ ምስ እትሰትዩ ኵሉ ሳዕ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 6

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካባኻትኩም ሓደ ንዓይ ኣሕሊፉ ክህበኒ እዩ” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ሰምበዱ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ዝገብርከ መን’ዩ ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ነዚ ቊራስ እንጀራ ዝህቦ ሰብ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ” በለ። ሽዑ እንጀራ ቈሪሱ ንይሁዳ ሃቦ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 7

ይሁዳ ነቲ እንጀራ ምስ ተቐበለ፡ ሰይጣን ኣተዎ። ንኢየሱስ ክሕዝዎ ምእንቲ ክሕግዞም ይሁዳ ናብ መራሕቲ ኣይሁድ ከደ። እዋኑ ድማ ምሸት ነበረ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 8

ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድራር ምስ በልዑ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸዱ። ኢየሱስ፡ “ሎሚ ለይቲ ኵሉኹም ገዲፍኩሙኒ ክትከዱ ኢኹም። “ነቲ ጓሳ እወቕዖ፡ ኲለን ኣባጊዑ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ” በለ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 9

ኢየሱስ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፡ “ሰይጣን ንኹልኹም ክወስደኩም ይደሊ እዩ ዘሎ፡ ነገር ግን ጴጥሮስ እምነትካ ምእንቲ ከይደክም ለመንኩ።

ጴጥሮስ፡ “ኵሎም እንተገደፉኻ’ኳ፡ ኣነ ኣይገብሮን፡ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ በሎ፡ ሎሚ ለይቲ ደርሆ ቅድሚ ምንቃዉ ከምዘይትፈልጠኒ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ”።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 10

ሽዑ ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ሞት’ኳ እንተመጸ ፈጺመ ኣይክሕደካን” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ’ውን ከምኡ በሉ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 11

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጌተሴማኒ ናብ ዝበሃል ቦታ ከደ። ሽዑ ኢየሱስ ናብ ፈተና ከይኣትዉ ክጽልዩ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። ንሱ ድማ ንበይኑ ክጽሊ ከደ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 12

ኢየሱስ ሰለስተ ግዜ ጸለየ፡ “ኣቦ ዝከኣል እንተዀይኑስ ነዚ ናይ መከራ ጽዋዕ ካባይ ትሕለፍ፡ ግንከ፣ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይ’ሲ ኣይኹን፡፡ ፍቓድካ ይኹን”።

ኢየሱስ ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ ነበረ፡፡ ረሃጹ ድማ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ዘበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 13

ድሕሪ ጸሎት ግዚኡ ኢየሱስ ናብ ደቀመዛሙርቱ ተመላለሰ፡ ንሳቶም ግና ደቂሶም ነበሩ። ንሳልሳይ ግዜ ምስ ተመልሰ ግና፣ “ተንስኡ! ኣሕሊፉ ዝህበኒ ቀሪቡ እዩ” በለ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 14

ይሁዳ ምስ መራሕቲ ኣይሁድን ወታደራትን ብዙሓት ህዝብን መጸ። ኣስይፍን ኣባትር ከኣ ሒዞም ነበሩ። ይሁዳ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ “ዎ መምህር፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን” በሎ፡ ሰዓሞ ድማ። ከምዚ ዝገበረ ድማ እቲ ዝሕዝዎ ኢየሱስ ኣየናይ ከምዝዀነ ንመራሕቲ ኣይሁድ ምልክት ክህቦም ኢሉ እዩ። ብድሕሪኡ ኢየሱስ፡ “ኣታ ይሁዳ፡ ብምስዓም ዲኻ ኣሕሊፍካ እትህበኒ” በለ።

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ — illustration 15

እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ሓዝዎ፡ ጴጥሮስ ሰይፉ መሲቱ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ኻህናት በቲ ሰይፊ ወቒዑ እዝኑ ቈረጾ። ሽዑ ኢየሱስ፡ “ሰይፍኻ ናብ ሰገብኡ ምለሶ! ምእንቲ ክከላኸሉለይ ሰራዊት መላእኽቲ ክልእኸለይ፡ ንኣቦይ ክሓቶ’ዶ ዘይክእል መሲሉካ፧ በሎ። ኢየሱስ ድማ ነቲ ሰብኣይ እዝኖ ፈወሶ። ኢየሱስ ምስ ተታሕዘ ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ ገዲፎምዎ ሃደሙ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 26፡14-56፤ ማርቆስ 14፡10-50፤ ሉቃስ 22፡1-53፤ ዮሐንስ 12፡6፤ 18፡1-11።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).