31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 1

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ክፋንዉ ከለዉ ደቀመዛሙርቱ ብጃልባ ንማዕዶ ክሰግሩ ነገሮም። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነወ ናብ ሓደ ከረን ወጸ። ኣብኡ ድማ በይኑ ነበረ። ኣብኡ ኰይኑ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ከኣ ጸለየ።

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 2

በዚ ግዜ እዚ ደቀመዛሙርቱ ብጃልባ ይኸዱ ነበሩ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ኣብ ፍርቂ እቲ ባሕሪ በጽሑ። ንፋስ ኣዝዩ ይነፍስ ስለዝነበረ ነታ ጃልባ ንምእላይ ኣዝዮም ተሸገሩ።

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 3

በቲ ግዜ ኢየሱስ ጸሎቱ ወዲኡ ናብ ደቀመዛሙርቱ ከደ። ብማየማይ እናኸደ ነቲ ባሕሪ ኣቋሪጹ ናብ ጃልብኦም ከደ!

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 4

ደቀመዛሙርቱ ንኢየሱስ ምስረኣዩ ምትሃት መሲሉዎም ኣዝዮም ፈርሑ፡ ኢየሱስ ከምዝፈርሑ ስለዝፈለጠ ጸዊዑ፣ “ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሑ” በሎም።

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 5

ቢቲ ግዜ እቲ ጴጥሮስ ንኢየሱስ“ “መምህር፡ ንስኻ እንተዄንካስ ብማየማይ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዘኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ“ “ንዓ” በሎ።

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 6

ስለዚ ጴጥሮስ ካብቲ ጃልባ ወሪዱ ብማየማይ ናብ ኢየሱስ ምኻድ ጀመረ። እንተኾነ ነዊሕ ከይከደ ኣዒንቱ ካብ ኢየሱስ ኣልዒሉ ነቲ ማዕበልን ብርቱዕ ንፋስን ረኣየ።

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 7

ሽዑ ጴጥሮስ ፈሪሑ ኣብቲ ማይ ምጥሓል ጀመረ። ሽዑ፡ “መምህር፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። ንጴጥሮስ ድማ፡ “ኣታ ጐደሎ እምነት፡ ንምንታይ ትጠራጠር” በሎ።

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ — illustration 8

ጴጥሮስን ኢየሱስን ናብታ ጃልባ ምስኣተዉ፡ እቲ ህቦብላ ምንፋስ ገዲፉ ጸጥ በለ። ደቀመዛሙርቱ ከኣ ተደነቑ። “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም ንኢየሱስ ሰገዱሉ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 14፡22-23፤ ማርቆስ 6፡45-52፤ ዮሐንስ 6፡16-21።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).