17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 1

ሳኦል ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ነበረ። ንሱ ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ነዊሕን ምልኩዕን ነበረ። ሳኦል ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ንእስራኤላውያን ከመሓድር ከሎ ቅኑዕ ንጉስ ነበረ። እናጸንሐ

ምስከደ ግና ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዝ ክፉእ ሰብ ኰነ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ሓደ መዓልቲ ኣብ ክንዲ ሳኦል ዝትካእ ካልእ ሰብ መረጸ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 2

እግዚኣብሄር ድሕሪ ሳኦል ንጉስ ከኸውን ዳዊት ንዝበሃል መንእሰይ መረጸ። ዳዊት ወዲ ከተማ ቤተልሄም ዝዀነ ጓሳ ኣባጊዕ ነበረ። ዳዊት ኣብ ዘተፈላለዩ እዋናት ኣባጊዕ ኣቡኡ እንዳሓለወ፡ ኣባጊዑ ክበልዑ ዝመጸ ኣንበሳን ድቢን ይቐትል ነበረ። ዳዊት ብእግዚኣብሄር ዝኣምንን ንዕኡ ዝእዘዝን ትሑትን ጻድቅን ሰብ ነበረ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 3

ዳዊት ጅግና ወታደርን መራሕን ኰነ። ዳዊት ገና መንእሰይ ከሎ ጎልያድ ምስ ዝብሃል ገዚፍ ሰብኣይ ተዋግአ። ጎልያድ ስልጡን ወታደር፡ ኣዝዩ ብርቱዕ፡ ከምኡ’ውን ቁመቱ ዳርጋ ሰለስተ ሜትሮ ነበረ። ነገር ግን እግዚኣብሄር ንጎልያድ ቀቲሉ ንእስራኤል ከድሕን ንዳዊት ሓገዞ። ብድሕሪኡ ዳዊት ኣብ ጸላእቲ እስራኤላውያን ብዙሕ ዓወታት ረኸበ። እስራኤላውያን ዘመስግንዎ ድማ ኰነ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 4

እቶም ህዝቢ ንዳዊት ብዝነበሮም ፍቕሪ ሳኦል ቀንአ። ሳኦል ብዙሕሳዕ ንዳዊት ክቐትሎ ፈተነ፡ ስለዚ ዳዊት ካብ ሳኦል ተሓብአ። ሓደ መዓልቲ ሳኦል ንዳዊት ከቐትሎ ይደልዮ ነበረ። ሳኦል ናብቲ ዳዊት ተሓቢኡሉ ዝነበረ በዓቲ ከደ፡ ሳኦል ግና ኣይረኣዮን። ዳዊት ናብ ሳኦል ተጸጊዑ ስለዝነበረ ክቐትሎ ምኸኣለ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣይቀተሎን። ኣብ ክንድኡ ዳዊት ንጉስ ክኸውን ደልዩ ከምዘይቐትሎ ሳኦል ምእንቲ ክፈልጥ ኢሉ ካብ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 5

ኣብ መወዳእታ ሳኦል ኣብ ውግእ ሞተ፡ ዳዊተ ድማ ንጉስ እስራኤል ኰነ። ዳዊት ቅኑዕ ንጉስ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ፈተውዎ። እግዚኣብሄር ንዳዊት ባረኾ፡ ዕዉት’ውን ገበሮ። ዳዊት ብዙሕ ውግኣት ተዋግአ፡ ንጸላእቲ እስራኤል ክስዕር ከኣ እግዚኣብሄር ረድኦ። ዳዊት ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ስዒሩ ንየሩሳሌም ዋና ከተማኡ ገበራ፡ ዳዊት ኣብ ዝነበረሉ ዘበን እስራኤል ሓያልን ሃብታምን ኰነት።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 6

ዳዊት ኩሎም እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ዘምልኹሉን ንዕኡ መስዋእትታት ዘቕርቡሉን ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ደለየ። እስራኤላውያን ን400 ዓመት ዝኸውን ኣብቲ ሙሴ ዝሰርሖ ድንኳን ምርኻብ ንእግዚኣብሄር የምልኹን መስዋእትታት የቕርቡን ነበሩ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 7

እንተኾነ እግዚኣብሄር ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ንናታን ኣትሒዙ ናብ ዳዊት ለኣኾ፡ “ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ስለዝዀንካ ነዚ ቤተ መቕደስ ንስኻ ንዓይ ኣይትሰርሐለይን። ወድኻ እዩ ዝሰርሐለይ።

ይኹን እምበር ኣዝየ ክባርኸካ እየ። ካብ ዘርእኻ እቲ ሓደ ኣብ ህዝበይ ንጉስ ኰይኑ ንዘለኣለም ክገዝእ እዩ” ንዘለኣለም ዝገዝእ ዘርኢ ዳዊት እቲ መሲሕ እዩ።

እቲ መሲሕ ንህዝብታት ዓለም ካብ ሓጥያቶም ዘድሕኖም “ሕሩይ” እግዚኣብሄር እዩ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 8

ዳዊት ነዚኦም ቃላት ምስ ሰም፡፣ ነዚ ኩሉ ክብርን በረኸትን ክህቦ ቃል ስለ ዝኣተወሉ ሽኡ ንእግዚኣብሄር ምስጋናን ውዳሰን ኣቕረበ። ዳዊት እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ነገራት መዓስ ከምዝገብሮም ኣይፈለጠን። ነገር ግን እስራኤላውያን እቲ መሲሕ ክሳዕ ዝመጽእ ንነዊሕ ዘበን፡ ዳርጋ 1000 ዓመት ተጸበዩ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 9

ዳዊት ብፍትሕን ብተኣማንንትን ንብዙሕ ዓመታት ገዝአ፡ እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። ይዅን እምበር ኣብቲ መወዳእታ ዘመኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኸፍአ ሓጥያት ሰርሐ። ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 10

ሓደ መዓልቲ ኩሎም ወታደራት ዳዊት ካብ ቤቶም ናብ ውግእ ከይዶም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ደገ ቤተ መንግስቲ ከሎ ሓንቲ ጽብቕቲ ሰበይቲ ኣካላታ ክትሕጸብ ረኣየ። ስም እታ ሰበይቲ ባትሳባ ነበረ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 11

ዳዊት ገጹ ኣብ ክንዲ ዘወር ምባል ነታ ሰበይቲ ከምጽኡሉ ሰብ ለኣኸ። ምስኣ ደቂሱ ድማ ንገዝኣ ከምእትምለስ ገበረ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ባትሳባ “ጠኒሰ እየ” ኢላ ናብ ዳዊት መልእኽቲ ሰደደት።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 12

እቲ ኡርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብኣይ ባትሳባ ካብቶም ምሩጻት ወታደራት ዳዊት ሓደ ነበረ። ዳዊት ንኡርያ ካብቲ ውግእ ኣጸዊዑ ምስ ሰበይቱ ክኸውን ነገሮ፡፡ ኡርያ ግና እቶም ካልኦት ወታደራት ኣብ ውግእ ስለዝዀኑ ናብ ቤቱ ክኸይድ ኣይፈተወን። ስለዚ ዳዊት ንኡርያ ናብቲ ውግእ ለኣኾ’ሞ ምእንቲ ክመውት፡ ኣብቲ ከቢድ ውግእ ዘለዎ ቦታ ከሰልፎ ነቲ ጀነራል ነገሮ፡፡

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 13

ኡርያ ምስ ተቐትለ ዳዊት ንባትሳባ ኣእተዋ። ንሳ ድማ ንዳዊት ወዲ ወለደትሉ። በቲ ዳዊት ዝገበሮ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዐ። ሓጥያቱ ከቢድ ከምዝዀነ ንዳዊት ምእንቲ ክነግሮ እግዚኣብሄር ንነብዪ ናታን

ለኣኾ። ዳዊት ሓጥያቱ ስለእተናዘዘ እግዚኣብሄር ይቕረ በሎ። ዳዊት በቲ ዝተረፈ ዘበን ህይወቱ ኣብ ኣሸጋሪ ኵነታት እናሃለወ እኳ ንእግዚኣብሄር ብምስዓብ ተኣዘዞ።

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን — illustration 14

ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝሰርሖ ሓጥያት ወዱ ሞተ። በቲ ዝተረፈ ዘበን ህይወቱ ንዳዊት ኣብ ቤተሰቡ ውግእ ነበረ፡ ሓይሊ ዳዊት ከኣ ኣዝዩ ተዳኸመ። ዳዊት ንእግዚኣብሄር እሙን እንተዘይነበረ’ኳ ሕጂ’ውን እግዚኣብሄር ስለ እቶም ዝሃቦም ተስፋታት እሙን ነበረ። ብድሕሪኡ ዳዊት ካብ ባትሳባ ካልእ ወዲ ወለደ። ስሙ’ውን ሰለሞን በልዎ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ 1ይ ሳሙኤል 10፡15-19፤ 24፤ 31፤ 2ይ ሳሙኤል 5፤ 7፤ 11-12።

Read in the reader

Free to use, adapt, and share under an open license (CC BY-SA 4.0).